top of page

ገጽ ሕጋዊ ምኽሪ

ኣብ ኣዝዩ ህጹጽ መዳያት ብፍላይ እቲ ናይ መወዳእታ ግዜ ናይ ግዚያዊ ወረቀትካ ወይ ምጥራዝ ዘስግእ እንተ ዀይኑ ብቐጥታ ንጠበቓ ከተማኽር ኣለካ።

ንስደተኛታትን ዚኸውን ናጻ ምኽሪ ዚግበረሉ ሰዓታት፣

ምምዝጋብ ኩሉ ግዜ ሰሉስ ካብ ሰዓት 3:00 ድ.ቐ. ኣድራሻ Weltraum, Unterm Markt 13, Jena

ከም ንቡር ኣብ ነፍሲ ወከፍ ምኽሪ ንኣርባዕተ ሰባት ምኽሪ ክወሃቦም ይኽእል ኢዩ ግን አቲ ምኽሪ ካብ ሰዓት 3:00 ድ.ቐ ከም ዝካየድ ሙሉአ ውሕስነት ክንህበካ ኣይንኽእልን ኢና ። ስለዚ ብትሕትና ክትርድኡልና ንምሕጸነኩም ኣለና።

እቲ ምኽሪ ካብ ሰዓት 16:00 ክሳብ 19:00ድ.ቐ. ድማ እዩ ዚዛዘም።

አንተ ድኣ ደሊካ ተርጓሚ ሒዝካ ክትመጺ ትክአል ኢካ፣ተርጓሚ ዘድሊየካ አንተ ደኣ ኮይኑ ግን ኣቀዲምካ ቅድሚ ሓደ ሰሙን ኣብዚኣ ኢሜይል (Email) (beratung[at]rlcjena.de) መልእኽቲ ክትሰዱልና ትክእሉ ኢኩም።

bottom of page